ስነ-ልቦናውን ማሕበራውን ደገፍ

አችኣይቪ ሒዝካ ምንባር ከቢድ ጥዕናዊ ኩነት ኮይኑ ክስመዓካ ይኽእል እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ሕብረተ-ሰብና ብዛዕባ አችኣይቪ ብዙሕ ግጉይ ኣረኣእያታትን ዋሕዲ ኣፍልጦን ስለዘሎ። ስለዚ ክድግፈካ ዝኽእል ሰብ ክትረክብ ኣገዳሲ ይኸውን።

scheduleOppdatert: 23.07.2021

createForfatter: Sekretariatet

labelEmner:

ደገፍትኻ መሓዙትካ፡ኣዝማድካ፡ ካልኦት አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ክኾኑ ይኽእሉ ወይ ኣብ ማሕበር ሂቭኖርገ ኣብ ሰሚናራት ወይ ኣኼባታት ብምስታፍ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል። ኣብ ዎርድ ረኽሳዊ ሕማማት ዝሰርሑ ሓካይምን ነርሳትን ውን ጹብቕ ደገፍ ይህቡ እኳ እንተኾኑ ብዘለና ተመኩሮ ግን ካልኦት አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት እዮም ሂወት ምስ አችኣይቪ ከመይ ከምዝኾነት ዝበለጸ ብዕምቆት ዝርድኡዎን ዝፈልጡዎን። HivNorges likepersontilbud ( ማሕበር ሂቭ ኖርገ ንኣብ ሓደ ኩነታት ዝርከቡ ሰባት ዘበርክቶ ዕድል) ንአችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ወይ መቓርብቶም ዝተዘጋጀወ ፍታሕ ኮይኑ ምስ ካልኦት አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ወይ መቓርብቲ ብምርኻብ ተመኩሮታት ክለዋወጡ ይኽእሉ። 

Les også

schedule24.03.2023

→ ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ዲኻ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ የድልየካ ድዩ፧

ኩሉ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥን ምስ ኤችኣይቪ ዝነብርን ነጻ ሕክምና ኤችኣይቪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ዝቐረበ ሆስፒታል ክፍሊ ተላባዒ ሕማማት ብዘለዉ ዶክቶራት ክርከብ ይከኣል።

schedule31.12.2021

→ ውሑስ ክታበት ኮቪድ 19

ክታበት ኮቪድ-19፣ ኤች/ኣይ/ቪ (HIV) ንዘለዎም ሰባት ክወሃብ ውሑስ ምዃኑ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ትካል መጽናዕቲ ኤይድስ“ -ው/ሕ/ሃ/ት/መ/ኤ-(UNAIDS) ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ናይ ተላገብቲ ሕማማት ሓካይም፣ ነዚ ደጊፎሞ ኣለዉ። ነቶም ኤች/ኣይ/ቪ ዘለዎም ድማ፣ ነቶም ክታበታት ክወስዱዎም የተባብዕዎም።