ኮሮናቫይረስንአችኣይቪን

ኣብ ሆስፒታላት አችኣይቪን ኮሮናን ኣብ ሓደ ዎርድ እዩ ሕክምና ዝግበረሉ ዘሎ፡ ስለዚ ኣብዘን ዎርድታት እዚአን ኣብ ብዙሕ ሆስፒታላት ጻዕቒ ስራሕ ክህሉ እዩ። እንተኾነ ግና ኩላትኩም አችኣይቪ ዘለኩም ኣድላዪ ሓገዝ ንኽግበረልኩም ቀዳምነት ከምዝወሃበኩም፡ ወረቐት መውጽኢ ኣፋውስ(resept) ከምዝሕደሰልኩምን ወዘተ ክትተኣማመኑ ትኽእሉ ኢኹም።

scheduleOppdatert: 16.04.2020

createForfatter: Sekretariatet

labelEmner:

ኣብ ኦስሎ ኣብ ሆስፒታል ኡለቮል ዝርከብ ፖሊክሊኒክ ፍወሳ ረኽስታት(Infeksjonsmedisinsk poliklinikk) ንተሓከምቲ አችኣይቪ ንምክትታል ናይ ገዛእ ርእሶም ኣሰራርሓ ኣተኣታትዮም ኣለዉ። . HivNorge ምዚ ፖሊክሊኒክ ብቐጻሊ ንራኸብ ኣለና ብዛዕባ ናቶም ኣሰራርሓ ከኣ ኣብ ወብሳይታትና (gjeldende rutiner på våre websider) ሓበሬታ ነውጽእ ኢና።  

ኣብዚቐረባግዜአችኣይቪከምዘለኩምዝፈለጥኩምሰባትውጽኢታትመርመራምስመጸኣብኡለቮልሆስፒታልንቡርምክትታልክግበረልኩምእዩ። 

መብዛሕትኦም አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ካልእ ሕማማት ዘይብሎም ብቑዕ ፍወሳ ዝግበረሎም ስለዝኾኑ ኮቪድ-19 እንተደኣ ሒዙዎም ድልዱል ዝኾነ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት እዮም። 

ካብቶም አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ንነዊሕ ግዜ ትሑት CD4 ዘለዎም ውሑዳት እዮም፡ እዚኦም ትሑት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክህልዎም ስለዝኽእል ንረኽስታት ስርዓተ-ምስትንፋስ ዝያዳ ዝተቓልዑ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ኮሮናቫይረስ ክሕዞም ዘሎ ተኽእሎታት ወይ ከቢድ ሕማም ክሓሙ ዘሎ ተኽእሎታት ዝተዛየደ ድዩ ዝብል ሕቶታት ይመጻና ኣሎ HivNorge። ካብ ሓላፊ ዎርድ ዎርድ ፍወሳ ረኽስታት ኡለቮል እዚ ዝስዕብ መልሲ መጺኡና ኣሎ:

ዕለት 17.3.20 ብዘለናሓበሬታ  አችኣይቪዘለዎሰብኮቪድ-19 ከቢድሕማምከሕምሞዘሎተኽእሎታትየዛይዶእዩዝብልሓበሬታየለን። 

ሃገራዊቤትጽሕፈትጉዳያትጥዕና(Helsedirektoratet) ዕለት 23 መጋቢትብዛዕባንሕማምኮሮናብፍሉይዝተዛየደተነካእነትዘለዎምሰባትዘለዎምሓበሬታኣሐዲሶሞ፡ንሱድማዝተዳኸመሰውነታዊናይምክልኻልዓቕሚዘለዎምሰባትየጠቓልልእዩዝብልእዩኢሩ።እዚድማንመብዛሕትኦምአችኣይቪዘለዎምንንነዊሕግዜትሑት CD4 ዘለዎምንየጠቓልል። 

(De andre definerte risikogruppene)ካልኦት ኮሮና እንተሒዙዎም ከም ተነካእቲ ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ልዑል ዕድመ ዘለዎም፡ ካልእ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ከም ሕማማት ልብን ሰራውር ደምን፡ ሕዱር ሕማም ሳንቡእ፡መንሽሮ፡ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ልዑል ሚዛን ዘለዎምን ሽጋራ ዝስሕቡን እዮም። 

ብፍላይ ናትካ CD4  ትሒቱ እንተደኣ ሃልዩ ከምኡውን ካልኦት ከበድቲ ሕማማት እንተደኣ ሃልዮምኻ ምኽርታት ሰበ-ስልጣን ብጥብቂ ክትከታተሎም ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ።(er det særlig viktig at du følger rådene fra myndighetene ekstra nøye.) ኣብ ውሑስ ኣከባቢ ኣብ ገዛኻ ምግላል፡ ኣድላዪ ክሳብ ዘይኮነ ካብ ገዛኻ  ዘይምውጻእ፡ ሰብ ኣብ ዝእከበሉ ዘይምኻድን ካልኦት ሰባት ዘይምርኻብን ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል እዩ። 

 ጌና ሕጂ ውን ብዙሕ ብርግጽ ዘንይፈልጦ ነገራት እዩ ዘሎ። ትካል ህዝባዊ ጥዕና(Folkehelseinstituttet) ኣብ ርእሱ ዝኸኣለ ገጽ ብዛዕባ ብፍሉይ ተነካእቲ ዝኾኑ ጉጅለታት ብቐጻሊ ዝሕደስ ሓበሬታ ኣለዎም።(egen side med informasjon om spesielle risikogrupper som stadig oppdateres.)

IAS (The International AIDS Society) ዕለት 3 ሚያዝያ ብኢንተርነት ሰሚናር ኣካይዶም፡ ኣብኡ ድማ ኣህጉራዊ ማሕበር ጥዕና ብዛዕባ አችኣይቭን ኮሮና ቫይረስን ደሊቦሞ ዘለዉ ተመኩሮታት ኣቕሪቦም። 

ክሳብ ሕጂ ብኮቪድ-19 ዝሓመሙ አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ብተዛማዲ ውሑዳት እዮም(ኣብ ዓለም ምሉእ)። ውሑዳት ስለዝኾኑ እዩ ድማ አችኣይቭን ኮቪድ-19ን ብሓንሳብ ፍሉይ መጽናዕቲ ዘይተገበረሎም ዘሎ፡ እንተኾነ ግና ክሳብ ሕጂ ደሊብናዮም ዘለና ተመኩሮታት እዚ ዝስዕብ የርእየና ኣሎ:

  • ብዘየገድስ ቁጽሪ CD4 አችኣይቪ ንበይኑ ክትመውት ወይ ብኮቪድ-19 ክብድ ዝበለ ሕማም ንኽሕዘካ ዘሎ ተኽእሎ ኣየዛይዶን እዩ። 
  • ዝተዳኸመ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ምስዝህልወካ ክሕዘካ ዘሎ ተኽእሎ የዛይዶ እዩ፡ እንተኾነ ግና ከቢድ ሕማም ወይ ሞት ከጋጥም ዘሎ ተኽእሎ ግን ኣየዛይዶን እዩ። CD4 ትሕቲ 200 ዝተዓቀነሎም ሰባት እቲ ቫይረስ ከይሓልፎም ዝያዳ ጥንቃቐታት ብምግባር ብጥብቂ ነቶም ንምክልኻል ዝግበሩ ስጉምትታት ክከታተሉዎም  ንመኽሮም። (anbefales å være ekstra nøye med tiltak for å unngå smitte.)
  • አችኣይቪንበይኑኮቪድ-19 ከቢድሕማምከሕምመካዘሎተኽእሎኣየዛይዶንእዩ፡እንተኾነግናገሊኦምሰባትአችኣይቪካብዝሕዞምነዊሕግዜዝገበሩነቶምተኽእሎታትከዛይዶምዝኽእልረቛሒታትኣለዎም።እዚብፍላይአይድስዘሕለፉሰባትይምልከት፡ከምኡውንብምኽንያትአይድስኒሞይንያወይካልእሕማምሳንቡእሒዙዎምዝፈልጥይምልከት። 

ተመኩሮታት ኣህጉራዊ ማሕበር ጥዕና ምስ ምኽርታት ሰበ-ስልጣን ኖርወይ ተዛመድቲ እዮም።እቲ ሰሚናር ብምሉኡ ኣብዚ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።(Her kan du se seminaret i sin helhet.) እቲ ሰሚናር ብእንግሊዘኛ እዩ ተኻይዱ። 

ዘይትደሊ እንተኾይንካ ንወሃቢ ስራሕካ ወይ ካልኦት ብዛዕባ ተኽእሎታት ምትሕልላፍ ክዝረብ ከሎ አችኣይቪ ከምዘለካ ምንጋር ኣድላዪ ኣይኮነን። 

ኣብዚ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ንህዝቢ ዝህቦ ሓፈሻዊ ምኽርታትን ብዛዕባ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ኩነታትን ዝተሓደሰ ሓበሬታ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።(Her kan du lese om Folkehelseinstituttets generelle råd til befolkningen og oppdatert informasjon om situasjonen i Norge.)

ረስኒ እንተደኣ ሒዙካ ወይ ናይ ስርዓተ-ምስትንፋስ ሽግራት ኣጋጢሙካ ንቀዋሚ ሓኪምካ ተወኪስካ ምናልባሽ ሒዙካ ከይከውን ክምርምረካ ሕተቶ። ምስ ሓኪምካ ኣቐዲምካ ከይተቋጸርካ ኣብ ሕክምና ብኣካል ክትርከብ የብልካን፡ ምእንታን ኣቐዲሞም ከይመሓላለፍ ስጉምትታት ኣተኣታትዮም ክጸንሑ። ምሸትን ቀዳመ ሰንበትን ድማ ንሕክምና ህጹጽ ረድኤት(legevakt) ክትውከሶም ትኽእል ኢኻ። 

ፍወሳኮሮናቫይረስብኣፋውስአችኣይቪ 

ኮቪድ-19 ብኣፋውስ አችኣይቪ ክፍወስ ፈተናታት ይካይድ ኣሎ። እቶም ሕጂ ዝጥቀሙሎም ዘለዉ ኣፋውስ አችኣይቪ ናይ ቀደም ኮይኖም ሎሚ ኣብ ፍወሳ አችኣይቪ ኣይጥቀሙሎምን እዮም ዘለዉ። ብዘየገድስ እዚ ንቀረብ አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ዝወስዱዎ ኣፋውስ ከምዘይጸልዎ ሰበ-ስልጣን ጥዕና ኣረጋጊጾምልና ኣለዉ። 

አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ብምኽንያት ዝወስዱዎ ኣፋውስ ረኽሲ ኮቪድ-19 ክሕዞም ኣይክእልን እዩ ወይ እዚ ቫይረስ ንካልኦት ሰባት ከመሓላልፉ ኣይክእሉን እዮም ዝብል ሓበሬታ ውን የለን። 

ክታበትኒሞንያ 

ብባክተርያ ኒሞንያ ዝኽሰት ኒሞንያ ሳንቡእ ንምክልኻል ዝወሃብ ክታበት ኒሞንያ ብዙሕ ኣተኩሮ ክወሃቦ ጸኒሑ ኣሎ። ምስ ኮሮና ቫይረስ ዝኾነ ምትሕሓዝ የብሉን፡እንተኾነ ግና ከም ተነካእቲ ዝቑጸሩ ሰባት እዚ ክወስዱዎ ከተባብዑዎም ጸኒሖም ኣለዉ፡ ምእንታን ስርዓተ ሕክምና ኣብዚ እዋን እዚ ሓገዝ ክኾኖ። 

ሓኪም ፍወሳ ረኽስታት ንኩሎም አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት መጀመርታ ቁጽጽር ክገብረሎም ከሎ ክታበት-ኒሞንያ ይወሃቦም እዩ። ስለዚ መብዛሕትኦም ይወሃቦም እዩ ማለት እዩ። ሕጂ ክታበት ውሒዱ ስለዘሎ ነቶም ኣቐዲሙ ዘይተዋህቦምን እቶም ኒሞንያ እንተደኣ ሒዙዎም ከቢድ ሕማም ክሓሙ ልዑል ተኽእሎታት ዘለዎምን ጥራሕ እዩ ዝወሃብ ዘሎ። 

ኣብ ኡለቮል ዝርከብ ፕሊክሊኒክ ፍወሳ ረኽስታት ንኩሎም ኣቐዲሙ ዘይተዋህቦም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ተሓከምቱ እዚ ክታበት ይህቦም ኣሎ። 

Les også

schedule24.03.2024

→ Ja, vi kan stoppe tuberkulose!

Verdens tuberkulosedag markeres 24. mars hvert år. Vi vil bruke denne dagen til å oppfordre norske politikere til å ta tuberkulose på alvor. Tuberkulose tar liv, den kan ramme alle, og den koster verden milliarder av kroner i helsekostnader og produktivitetstap. Samtidig vet vi hva som skal til for å stoppe den. Det er rett og slett en vinn-vinn-investering.

schedule22.03.2024

→ God påske

HivNorges kontor holder stengt hele påskeuken. Vi er tilbake tirsdag 2. april.